ብ ጠቕላላ ልዕሊ 300000 ዝ ዋግኦም ናውቲ ል ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ ሓውዜን ዝ ዀና ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት፥ ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ መጋብ፥ ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ መጋብ ተበርኪቱ። ዙ ሓገዝ፡ ኣብ ስፕለንዶር ኣምስተርዳም ኣብ ዝ ተዳለወ መደብ “ል ትግራይ” ካብ ዝ ተረኸበ ርብዒ ሚልዮን ገንዘብን እነይ ማራይከ ኮፐርድራት ዝ ተብሃላ ኔዘርላንዳዊት ዝ ኣበርከታኦ ፍሉይ ሓገዝን እይዩ።
ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ትምህርትን መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ስርዓተ ትምህርትን ወረዳ ሓውዜን መምህር ገብረማርያም ሓድጉ ል ቱ ሓገዝ ተረኪቦም፣ “ተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝ ነበረን ሃፍተ ገነት ብሰንኪ ወራር ተዘሚቱ ብሕፅረት ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ተፀጊመን ምንባረን ድሕሪ ምግላፅ፣ ዙ ሓገዝ መሰርረታዊ ፀገም ተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምፍታሕን ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅን ናይ ባዕሉ ግደ ከም ዘለዎን” ገሊፆም ከም ፀብብፃ ቢሮ ርክብ ጕድዳያት መንግስቲ ትግራይ፡፡ ኣመራርሓ ሓገዝ ዝ ተገበረልለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቱ ሓገዝ ን ዝ ነበሮም ፀገም ብ ውስሱን ከም ዝ ይቐርፍ፣ ል ኣሳልጦት ስራሕቲ ትምህርቲን ኣልላልዮት ምስ ቴክኖሎጂን ልዑል ግደ ከም ዝ ይህልሉዎ ገሊፆም፥ ከም ፀብፃብ ቱ ቢሮ።
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ስፕለንዶር ኣምስተርዳም ክልተ ኣብ ትግራይ ዝ ኣድሃቡ መደባት ተዳሊዎም ነይሮም። ቶም ክልተ መደባት ብ ሰንናይ ፍቓድን ሓልዮትን ኔዘርላንዳዊ ሙዚቅቀኝኛ ጃን ዊለም ባልየት፡ ብ ኣድዳላዊነት ባዕሉን ሰለስተ ካልኦትን (ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፥ ኣናን ማርዮሴን) እይዮም ተሳሊጦም።
ስፕለንዶር ኣምስተርዳም፡ ሓደ ቦታ ምርኢት ሙዚቅቃ ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዜርላንድ) ኰይኑ፡ ፍሉጣት ሙዚቀኝኛታት ኔዘርላንድ ዝ ተኣኻከቡልሉ እይዩ። ኣብ ዙ ቦታ “ል ትግራይ” ዝ ተሰመዩ ክልተ ዓብበይቲ መደባት ሙዚቅቃን ዘተን ተሳሊጦም ነይሮም። ቱ ፈልላማይ መደብ (ኣብ ትሕቲ መራኽቦታት ቀድዳመዋይ መደብ ፡ ሕድዳጋት 1፥ 2፥ 3፥ 4፥ 5 ተመልከቱ)፡ ብ ዕለት 3 ለክካቲት 2015 ዝ ተኻየደ ኰይኑ፡ ብ ዛዕባ ኵነታት ትግራይን ኲናት ትግራይን ኣመልኪቱ ኣብ ኔዘርንላድ ግንዛበ ል ምፍጣር ዝ ዓልለመ ነይሩ።
ብ ዕለት 27 መስከረም 2016 ዝ ተኻየደ ካልአዋይ መደብ ክዓ ፡ መቐፅፀልታ ቱ ቀድዳመዋይ መደብ ኰይኑ፡ ብ ፍሉይ ኽዓ “ብ ትምህርቲ ኣብቢልካ ተስፋ ትግራይ መሊስካ ምልምላም” ብ ዝ ይብል ርእሲ ኣብ ምድጋፍን ምብርባርን ትምህርቲ ዝ ዓልለመ ነይሩ። (ኣብ ትሕቲ መራኽቦታት ካልአዋይ መደብ፡ ሕድዳጋት፥ 1፥ 2፥ 3 ተመልከቱ)። ኣብ ዙ ዋንና መልእኽቱ ብ ምትንስስሳእ ትምህርቲ ኣብቢልካ ተስፋ ተጋሩ ምልምላም ዝ ነበረ ካልአዋይ መደብ፡ ገሊኦም ተሳተፍቲ ገንዘባዊ ድጋፍ ገይሮም ነይሮም። ዙ ካብ ዙ ድጋፍ ዝ ተረኸበ ገንዘብ እይዩ ል ዙ ዕላማ ውዒሉ ዘልሎ። ል ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ መፃሕፍቲ፥ ማሽናት ፎቶኮፒ፥ ፕሮጀክተርን ኮምፒተራትን ዓድዲግናሉ ነበርክት ኣልለና።
ብ ተወስሳኺ፡ እነይ ማራይከ ዝ ተብሃላ ኔዘርላንዳዊት እንነ፡ ብ ምኽንያት ምኽባር ዓመተ ውልደተን፡ ብ ፍሉይ ዝ ኣበርከታኦ 40000 ቅርሺ ል ሓገዝ ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት ብ ምውዓል፡ ተወስሰኽቲ ኮምፒተራት ዓድዲግናልሉ ኣልለና።
ዝርዝር ሓገዝ ዝ ተውሃባ ኣብያተ ትምህርትን ዓይነት ሓገዝን
ቍፅሪ | ቤት ትምህርቲ | ዝ ተገብረ ሓገዝ |
1 | ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት | መፃሕፍቲ፥ ኣባዕተ ኮምፒተራት፥ ማሽን ፎቶኮፒ፥ ደፋትር |
2 | ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ መጋብ | መፃሕፍቲ፥ ፕሮጀክተር፥ ኮምፒተር |
3 | ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ መጋብ | መፃሕፍቲ፥ ሓንቲ ዓብባይ ማስን ፎቶቾፒ |
ቶም ል ሰለስቲአን ኣብያተ ትምህርቲ ዝ ተበርከቱ መፃሕፍቲ፡ ብ ኣክካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝ ተሓትተሙ ዓዓሰርተ ክልተ መፃሕፍቲ የካትቱ።
ቪድዮታት
ሀ) መራኽቦታት ቀድዳመዋይ መደብ
- https://tghat.com/2023/02/18/the-alarm-bell-for-tigray-event-in-amsterdam/
- https://www.youtube.com/watch?v=7_Qypngemrs
- https://tghat.com/2023/09/27/for-tigray-an-awareness-and-fundraising-event-to-help-schools-and-students-in-tigray/
- https://tghat.com/2023/02/02/a-music-and-discussion-event-for-tigray-at-splendor-amsterdam-also-to-be-livestreamed/
- https://www.splendoramsterdam.com/agenda/712438/noodklok-voor-tigray
ለ) መራኽቦታት ካልአዋይ መደብ
- https://www.youtube.com/watch?v=xyO4mF0ZwkI
- https://www.youtube.com/watch?v=If5ZN93YfMc
- https://www.splendoramsterdam.com/agenda/111344703/tigray-benefiet-live-stream
ዚኣቶም እውን ተመልከቱ