ኣካዳሚ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ፥ ካብ ጕንበት 10-11/2016 ዓ.ም ዓስራይ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ከሳልጥ እዩ። ተመራመርቲ፥ ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ስዒቦም ካብ ዝቐረቡ ዛዕባታት መፅናዕት ኣብ ዝመረፁዎ ፅሑፍ ከቕርቡ ይዕድም።
ዛዕባታት ምርምር
፩.፩. ስነ–ልሳን
- ኣብ ኣጠቓቕማ ሰዋሰው ቋንቋታት ትግራይ ዘጋጥሙ ፀገማት
- ትንታነን ተፍትሽን መዛግብተ ቃላት ቋንቋታት ትግራይ
- ኣጠቓቕማ ቋንቋ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ (መራኸብቲ ሓፋሽ ኤሌክትሮኒክስን ውፅኢት ሕትመትን)
- ኣፍ እንዳታት (ላዛታት) ትግርኛ ምእዅል ቋንቋ ኣብ ምፍጣር ዘለዎም እጃምን ዝህልዉ ማሕለኻታትን
- ዝምድናታት ቋንቋን ማሕበረሰብን
- ቋንቋታት ትግራይን ስነ-ልቦና ተጋሩን
- ቋንቋታት ትግራይን ሳይንስን ቴክኖሎጅን
- ሓፈሻዊ ጠባያት ስነልሳን ትግራይ ብመንፅር፦ ስርዓት ድምፂ፣ ስርዓት መዋቕር፣ ስርዓት ፍትሒት፣ ስርዓት ስያመ ቃላትን ስርዓት መበቈል ቃላትን
- ዳህሳስ ኣብ ፅሑፋት ስነልሳን
- ኣብ እዋን ፅንተት ትግራይ (ወራር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮዽያን ኤርትራን) ዝተፈጠሩ ሓደስቲ ቃላት ቋንቋታት ትግራይ
- ረቂቕ ምርመራ ስነልሳን (forensic linguistics)
- መዓላዊ ስነ ልሳን፣ ታሪኻዊ ስነልሳን፣ ማሕበራዊ ስነልሳን፣ ቋንቋን ስነፆታን፣ ልቦናዊ ስነልሳን፣ ኣእምሮኣዊ ስነልሳን (neurolinguistics)
- ምልክት ቋንቋን መስተጋብር ፍሉይ ድልየትን
- ቋንቋን ካልኦት ዓውድታትን፦ ቋንቋን ሕርሻን፣ ቋንቋን ጥዕናን፣ ቋንቋን ፍትሕን፣ ቋንቋን ምሕደራን፣ ቋንቋን ፍልስፍናን ወዘተ.
፩.፪. ምምሃርምስትምሃርዝምልከት
- ገምጋም መምሀርን ሓገዝትን መፃሕፍቲ ቋንቋታት ትግራይ
- ብቕዓት መፃሕፍቲ ትግርኛ፣ ሳሆ፣ ኩናማ፣ ግእዝ ንሕፃናት ኣብ ምምዕባል ባህሊ ንባብን ፅሕፈትን
- ቋንቋ ኣደ፥ ፀጋታቱን ፀገማት ትግበራን ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ከይዲ ካብ መውዓሊ ሕፃናት ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ (ኣብ ኣርባዕቲኦም ቋንቋታት ትግራይ)
- ኣጠቓቕማ ቋንቋን ፊደላትን ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር
፩.፫. ስነፅሑፍ
- ታሪኻዊ ምዕባለ ስነፅሑፍ ቋንቋታት ትግራይ
- ኣበርክቶ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ምዕባለ ስነፅሑፍ ቋንቋታት ትግራይ
- ሂሳዊ ገምጋም ስነፅሑፍ ቋንቋታት ትግራይ (ትሕዝቶ፣ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፣ ቅዲ፣ ጭብጢ ወዘተ. ዝምድና ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ፣ ኩናማን ሳሆን ምስ ስነ-ፅሑፍ ግእዝ
- ቋንቋ ግእዝ ብመንፅር፦ ሳይንሳዊ ትሕዝቶ፣ ፍልስፍናዊ ትሕዝቶ፣ ስነ-ፅሑፋዊ ጥበብ (ብሉይ ስነ-ሓቲት)ን ሂሳዊ ገምጋም መፃሕፍቲ ግእዝን
- ሂሳዊ ገምጋም ውፅኢት ስነ-ጥበብ ትግራይ፣
- ደርፍታት፣ ሙዚቃዊ ድራማን ስነፅሑፋዊ ጥበብን ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ድሕሪ 1983 ዓ.ም. ብራኸ ስራሕቲ ስነፅሑፍ ትግራይን ሂስን ገምጋምን፣
- ሂሳዊ ገምጋም ውፅኢት ምርምራት ኣመቋት
፩.፬.ትውፊት
ትውፊታት ትግራይ፦ ቍጠባዊ ትሕዝቶ፣ ብመንፅር ማሕበራዊ ርክባት ተጋሩ፣ ሰናድነት ታሪኽ፣ ፍልስፍና ተጋሩን ዝሓዙዎም
ኣንድምታትን ኣምራትን፣ ገላፅነት ባህልን ቋንቋታትን ትግራይ
፩.፭.ሲምፖዝየም ዝካየደሉ ጊዜ:- ካብ ጕንበት 10-11/2016 ዓ.ም
፩.፮.መረከቢጊዜ
- ሀ. ተመራመርቲ ካብ 200 ቃላት ዘይበዝሕ ማራ መፅናዕቶም ክሳብ ሚያዝያ 25/2016 ዓ.ም.ብ danieldelina@gmail.com ዝብል ኢ-መይል ወይ ብ 0914717599 whatsApp ኣድራሻ ይልእኹ።
- ለ. ተመራመርቲ፥ ተቐባልነት ዝረኸቡ መፅናዕትታት ወይ ምርምራት ብረቂቕ ፅሑፍ (softcopy) ክሳብ ጕንበት 01/2016 ዓ.ም. ብዝተጠቐሱ ኣማራፂ ኣድራሻታት ናብ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣታዊ ይገብሩ።
መዘኻኸሪ፥ ዝለኣኹ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቅድም ክብል ኣብ ዝዀነ ይኹን መድረኽ ዘይቀረቡን ኣብ መፅሔታት ምርምር ዘይተሓተሙን ክዀኑ ይግባእ።
*ንተወሳኺ ሓበሬታ፥ ቊፅርታት ስልኪ +2519717599 // +251947405255 // +251914731575