ሓደ ሰብ ኣብ ሂወቱ ክንደይ ጊዜ ይስበር? ሓደ ጊዜ? ክልተ? ሰለስተ? መልሱ ንኣኻትኩም ክገድፎ።
ኣደይ ኣንፃር ደርጊ፡ ሓዳራ ገዲፋ ንሜዳ እትትወፅእ ኣነ ኣብ ከብዳ ምንባረይ ኣይትፈልጥን ነይራ። ኣብ እዋን ልምምድ ዘጋጥማ ንዝነበረ ስምዒታት ሕማም ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ መሓዙታ መድሓኒት እዩ ኢለን ዝኣመናሉ ኵሉ ይውህብኣ ነይረን። ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ግን እቱ ተሓቢኡ ዘይሕባእ ከብዲ ኣደይ ክዓብይ ጀሚሩ። ኣብዚ ግዜ እዩ ነይሩ ኣደይን መሓዙታን ጥንሲ ምኳኑ ዝተገንዘባ። ኣብቲ ስዓት እሱ ንተገዳላይ/ሊት ካብ ናብ መቐለ ምምላስ ናብ ሱዳን ምጕዓዝ ይቐልል ስለ ዝነበረ፡ ጥንስቲ ኣደይ ኣሸንኳይ ዶ ንጥንስቲስ ንዘኢጥንስቲ እኳ ኣፀጋሚ ኣብ ዝዀነ ኣብ ድሕሪ ወንበር ሹፌር ዓባይ መኪና ተቐሚጣ ናብ ሱዳን ትኣትው። ብከምዚ ዝበለ ኣፀጋሚ ኵነታት ድማ ኣነ እውለድ።
ደብዳብ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ዝርሰዖ መቸስ ኣይይህልውን። ኣነ እሞ ኣይርስዖን። ገና ትርጕም ሂወት ከኢተረደኣኒ ምስ ሞት ዝብሀል ነገር ዝተፋለጥኩሉ ጊዜ እዩ። ገና ጓል 10 ዓመት እናሀለውኩ መሓዙተይ ብዘስካኽሕ ኵነተት ሰብነተን ተቆራሪፁ ዝረኣኹሉን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሂወተይ ፅልዋ ዝፈጠረለይን ፍፃመ እዩ።
ድሕሪ ኣስታት ዒስራ ዓመታት፡ ኣብ 30 ዓመተይ፡ ህዝቢ ትግራይ ን ሳልሳይ ጊዜ ምፅናት ዓሌት ተኣወጀሉ። ኣነ እውን ትግራወይቲ ብ ምዃነይ፡ ናይ ባንኪ ኣካውንተይ ተዓፅዩ ኣብ ችግር ወደቕኩ። ብፍላይ ካባይ ብዙሕ ነገር ዝትፅበይ ቈልዓ ሒዘ ከቢድ ኰነኒ። እቲ ፀገመይ ግን ተጀሚሩ እንበር አይተወደኣን። ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታ ደም ክፈሰኒ ጀሚሩ። ወርሓዊ ፅግያ ዝመፀአሉ እዋን ገና ዋላ እንተነበረ ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። ኵነታት ኣብ ትግራይ ዘለዉ ቤተሰበይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለና ተጋሩ ዝበፅሑና ዝነበሩ ፀገማትን ኣጨኒቖምኒ ስለ ዝነበሩ “ስትረስ” እዩ ዝዀን ኢለ ሓሊፈዮ ነይረ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልትታት ግና ከቢድ ሕማም ተሰመዓኒ። ኣብ ኢደይ ብዙሕ ቅርሺ እኳ እንተዘኢሀለወኒ ብተን ዝነበራኒ ክምርመር ናብ ሆስፒታል ከድኩ። ጥንስቲ ምኳነይ፥ ኰይኑ ግና እቲ ድቂ ስለ ዝተጐድአ ንጥዕናይ ክበሀል ኣብ ውሽጢ 30 ደቕይቅ ብ መጥባሕቲ ክወፅእ ከም ዘለዎ ይነግሩኒ። ብከምዚ ዝበለ ኵነታት ውላደይ ሰኣንኩ። ኣብ እዚ ኵነታት ኰይነ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ‘ኣነ ኣብ እዚ ኰይነ ክንድ እዙይ ዝተሃሰይኩ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝበይ ከመይ ይዀን ይህልው?’ ዝብል እዩ ነይሩ
ሓጎስ ገብረዋህድ
April 13, 2021 at 9:26 am
ኣሕ ህዝበይ ክሓልፍ እዩ ግና ባርያ ዘኮናስ በዓል ዋና ኮይና ክነብር ኢና።
Abrsh
April 10, 2021 at 5:38 pm
ማሻራዳ
April 10, 2021 at 4:51 am
ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ብፍላይ ኣዋልድ ክንጥንቀቕ ኣለና።